ትግበራ ኣህጉራዊ ነፃ ቀጣና ንግዲ ንምስላጥ ንዲጂታል ኣሰራርሓታት ጠመተ ምሃብ ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ትግበራ ኣህጉራዊ ነፃ ቀጣና ንግዲ ንምስላጥ ንዲጂታል ኣሰራርሓታት ጠመተ ምሃብ ከምዘድሊ ተገሊፁ።

አብ ዓለም ለኸ ቤት ትምህርቲ ቢዝነስ ቻይና ኣውሮፓ ዳይሬክተር ካምፓስ ኣፍሪካ ማቲው  ሳሚኒይ(ፕ/ር)፥ ዝማዕበለት ኣፍሪካ ዕላዊት ንምግባር ንዝትግበሩ መርሃ ግብሪታት ቴክኖሎጂ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ኣፍሪካ ዝምድና ንግዲን ኢኮኖሚን ብምጥንኻር መዕባለ ወግዓዊ ንምግባር ተግባራዊ ካብ መንጎ ዝገበረቶም መርሃ ግብሪታት  ኣህጉራዊ ነፃ ቀጣና ንግዲ ቀዳማይ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

ኣብ ኣፍሪካ ካብ መንጎ ዝነብሩ 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ህዝቢ ዝግበር ስርዓት ንግዲ ብምጥንኻር ሓድነታ ዝተጠናኸረን ዝማዕበለትን ኣፍሪካ ወግዓዊ ንምግባር እቲ ሰርዓት ብቑርፀኝነት ምትግባር ግቡእ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ዕዳጋ ኤሌክትሮኒክስ ምስፋሕ፣ ኣተሓሕዛን ልውውጥን መረዳእታ ዲጂታል ምጥንኻር ወዘተ ምትግባር ኣድላዪ ኢዩ እውን ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment