ትግበራ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ዝተጠናኸረ ዘፈር ፋይናንስ ንምህናፅ ከምዘኽእል ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትግበራ ብሄራዊ መታወቂያ (መለለዪ መንነት) ምጭብርባር ገንዘበ፣ ተበፃሕነት ግልጋሎት ፋይናንስ ብምውሳኽን ዝተመሓየሸ ስርዓት መረጋገፂ መንነት ብምዝርጋሕ ዝተጠናኸረ ዘፈር ፋይናንስ ንምህናፅ ከምዘኽእል ተሓቢሩ።

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ፕሮግራም መለለዪ መንነት ብምትሕብባር “ዲጂታል መለለዪ መንነት ንዘፍ ፋይናንስ” ዝብል ትግበራ ፕሮጀክት ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ኣተገባብራ ዲጂታል መለለዪ መንነት ክልተ መርሃ ግብሪታት ከመዝጀመረ ዝገለፀ እቲ ባንኪ÷ እቲ ፈላማይ መርሃ ግብሪ ኩሎም ትካላት ፋይናንስ ዓማዊለን ኣብ በጀት ዓመት 2016 ናብ ዲጂታል ስርዓ መለለዪ መንነት ብምእታው ዝሐሸ ግልጋሎት ተጠቀምቲ ንኽኾኑ ምግባር ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ዕላምኡ ድማ ንነበርቲ እታ ሃገር ተበፃሕነት ግልጋሎት ፋይናንስ ምስፋሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ከይዲ ምሃብ ብሄራዊ መንነት÷ ንሓለዋ ውልቃዊ ሓበሬታታት ተመዝገብቲ ቅድሚት ብመሃብን ድሕንነት ሓበሬታ ብምርግጋፅን ከምዝሳለጥ ተመልኪቱ፡፡

ካልኣይ መርሃ ግብሪ ድማ÷ ኣወሃህባ ግልጋሎት ንምቅልጣፍን ድሕንነት ስርዓት ፋይናንስ ንምሕላው ብምሕሳብ በቲ ዓውዲ ኣብ ከይዲ ብኤሌክትሮኒክስ ዓሚልካ ፍለጥ (ekYC) ዲጂታል መለለዪ መንነት ምጥቃም ኢዩ።

እዚ ኣካይዳ ትኽክለኛ መንነት ተጠቃሚ ግልጋሎት ፋይናንስ ብምርግጋፅ ድሕንነት ዕድጊታት ፋይናንስ ንምሕላውን ተተሓሓዝቲ ስግኣታትን ንምንካይ ከምዝኽግዝ ካብቲ ባንኪ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment