ትግራይ ሓዊሱ ኣብ 6 ክልላት ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል ልዕሊ 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ከምዝተፈለየ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሽዱሽተ ክልላት ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእል ልዕሊ 3 ሚሊየን ሄክታር መሬት ከምዝተፈለየ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን  ግብርና ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ ልምዓት መስኖ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብ፣ ትግራይ፣ ሃረሪን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ንምትግባር ዘኽእል መሬት ከምዝፈለየ እቲ ኢንስቲትዩት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣፍሊጡ።

በዚ ድማ 6 ሚሊየንን 176 ሺሕን 898 መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ዝገብር ዝተዋደደን ዓምዩቕ ዘይኮነ ልምዓት መስኖ ማይ ከርሰ ምድሪ መህላዉ  ተገሊፁ።

ኣብቲ ኢንስቲትዩት ዳይረክተር ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ክሌማን ከበደ ተሾመ ከምዝበልዎ፥ ብሓፈሻ 1 ሺሕን 281 ጎዳጉዲ ማይ ተዃዒቶም ኣለዉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ፣ ስልጠና፣ መፍላጥ ቴክኖሎጂን ቀረብን ይካየድ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣቀባብላ ቴክኖሎጂ ክብ ንምባል ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብን ትግራይን 170 መፈልፈልቲ ማይ ሶላር ፓምፕ፣ መዋህለልቲ ማይን ጠብታ መስኖ ብምልኣኽ ብምፍላጥ ኣብ ረብሓ ንክውዕል ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብዮሐንስ ደርበው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment