ትኽክለኛነት መረዳእታ ትምህርቲ ምርግጋፅ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ) ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ውልቀ ትካላት ትምህርቲን ዝተመረቐ ትኽክለኛነት መረዳእታ ትምህርቲ ምርግጋፅ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ክግበር ኢዩ።

ዋና ዳይረክተር ኤጀንሲ ኣግባብነትን ፅርየትን ላዕለዋይ ትምህርቲ ዶክተር አንዱዓለም አድማሴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ እዚ ኣሰራርሓ  ትካላትን ውልቀ ሰባትን ሰራሕተኛታት ኣብ ዝቖፅርሉ እዋን ብናይ ሓሶት መረዳእታ ንከይዕሸዉ ዝሕግዝ ኢዩ።

እቲ ትኽክለኛነት መረዳእታ ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዘኽእል ቴክኖሎጂ፥ ንምጅማር ሰራሕተኛታት እኹል ስልጠና ከምዝተውሃቦም እውን ተገሊፁ።

ተሓታትነት ሕጊ ነክህልዎ እውን ምስ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ፣ ፌዴራል ፖሊስ፣ ኮሚሽን ፀረ ገዕዚይና፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ሚኒስቴር ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን፣ ብሄራዊ መረዳእታን ድሕንነትን ኤጀነሲ ብሓባር ይስሕ ኣሎ ኢሎም።

ብሲሳይ ጌትነት

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment