ትኹረት ኣገልግሎት ብሄራዊ ወለንታዊ ማሕበረሰብ ዘላቒ ሰላማ ዝተረጋገፀ ሃገር ምህናፅ ኢዩ – ወ/ሮ ሙፈሪያት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ ) ትኹረት ኣገልግሎት ብሄራዊ ወለንታዊ ማሕበረሰብ ዘላቒ ሰላማ ዝተረጋገፀ ሃገር ምህናፅ ከምዝኾነ ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ገሊፀን።

ወይዘሮ ሙፈሪያ ፕሮግራማት ብሄራዊ ግልጋሎት ወለንታዊ ማሕበረሰብን ብሄራዊ መድረኽ ዘተን ኣመልኪተን ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂበን።

ሚኒስቴር ሰላም ካብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጀሚረን ንዘላቒ ሰላምን ብሄራዊ ምርድዳእን ዓቢዩ ተራ ዘለዎም ብሄራዊ ግልጋሎት ወለንታዊ ማሕበረሰብን ብሄራዊ መድረኽ ዘተን ፕሮግራማት ሓንፂፁ ናብ ተግባር ምእታዉ ኣብ መግለፂአን ተዛሪበን፡፡

ኣብ ቀዳማይ ዙር ስልጠና ፕሮግራም ብሄራዊ ግልጋሎት ወለንታዊ ማሕበረሰብ፤ ኣብ 22 ዩኒቨርሲቲታት 35 ሺሕ ወለንታውያን መናእሰይ ስልጠና ክወሃቦም ኢዩ።

ብሄራዊ መድረኽ ዘተ ሕብረተሰባዊን ልሂቃንን ተኮር ብምግባር ክስብ ጣቢያ ዘሎ ሕብረተሰብ ዘሳትፍ ኢየ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ቀንዲ ዕላምኡ ድማ ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ሓበራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ነቲ ስልጠና ዘተመረፁ መናእሰይ ብናይ ባዕሎም ድሌት እንትኸውን፥ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቑ መናእሰይ ኢዮም፡፡

ወለንታውያን መናእሰይ ኣብ እዋን ስልጠናን ድሕሪ ስልጠናን ናብ ወለንታዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝዋፈሩሉ ከባቢን ሕድሕዶም ናይ ምፍላጥን ሓደሽቲ ስድራቤታት ናይ ምፍራይ ዕድል ክህልዎም ኢዩ ኢለን፡፡

እቲ ፕሮግራም ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ናፃ ኢዩ ዝበላ ወይዘሮ ሙፈሪያት፥ ቀንዲ ትኹረቱ ብቑዕ መንእሰይ ብምፍራይ ዘላቒ ሰላማ ዝተረጋገፀ ሃገር ምህናፅ ከምዝኾነ ኣስሚረናሉ፡፡

እተን ሚኒስትር ብሄራዊ ፕሮግራም ኣገልግሎት ወለንታውያን ማሕበረሰብ ኣሰራርሕኡ ግልፂ ስለዝኾነ፥ ሚዲያ ሓዊሱ ዝኾነ ይኹን ኣካል ናብቲ ቦታ ከይዱ ምዕዛብ ይኽእል ኢዩ ምባለን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓባሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment