ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ብሔራዊ ምምሕዳር ሎተሪን ትኬት ሎተሪ ብዲጂታል ኣማራፂ ንምቕራብ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም።
ዋና ዳይሬር ብሄራዊ ሎቶሪ ኣይተ ገረመው ጋርጄ እቲ ስምምዕነት ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ስምምዕነት፥ እቲ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓማውቲ ንዓማዊል ሎቶሪ ንምብፃሕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ምፅንሑ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ተረባሕቲ ዓማዊል ትኬት ሎቶሪ ብቐሊሉ ንኽቖርፁ ዘኽእል ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምቐራብ ዘኽእል ከምዝኾ ኣብሪሆም።
ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ብግደአን፥ ዲጂታል ኣማራፂ ሎቶሪ ብዙሓት ዓማዊል ንኽጥቀሙ እቲ ኣገልግሎት ብቀረባን ብቅልጡፍን ንኽረኽቡ ዘኽል ከምዝኾነ ገሊፀን።
ኣድማስ ሎተሪ ዝተብሃለ ዲጂታል ሎቶሪ ብቴሌብር ወይ እውን ብሓፂር ፅሑፍ መልእኽቲ 605 ምግዛእ ከምዝከኣልን ክፍሊት ምስፈፀሙ ድማ ደረሰይ ክፍሊት ከምዝለኣኽን ልዕሊ ሓደ ትኬት ንምግዛእ ከምዘኽእል ተሓቢሩ።
ብቅድስት ኣባተ
ተወሳኺ ምስሊ፡- ግዜኢ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com