ትካል ጥዕና ዓለም 35 ሜትሪክ ቶን ናውቲ ሕክምና ሃንደበታዊ ሓደጋ ንክልል ትግራይ የከፋፍል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ )ትካል ጥዕና ዓለም 35 ሜትሪክ ቶን ናውቲ ሕክምና ሃንደበታዊ ሓደጋ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከባ ትካላት ጥዕና እናቕረበ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ነቶም ቀረባት ልኢኹዎም ዘሎ፥ ምስ ሲቪል ሓለዋን ሰብ ኣዊ ሓገዝን ሕብረት ኣውሮፓ፣ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካን ፈንድ ሃንደበታዊ ሓደጋ ውሕመን ብምትሕብባር ኢዩ፡፡

35 ሜትሪክ ቶን ናውቲ ሕክምና ሃንደበታዊ ሓደጋ ንክልል ትግራይ እናከፋፈለ ከምዝኾነ ካብ መርበብ ሓሬታ እቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

እቲ ቀረብ ኣብቲ ክልል ሓገዝ ሕክምና ንዘድልዮም 700 ሺሕ ሰባት ዝውዕል እንትኸውን፥ ኣብ ማእኸላይን ሰሜን ምዕራብን ዞባታት እቲ ክልል ንዝርከባ 48 ትካላት ጥዕና እናተኸፋፈለ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment