ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ኣብ 2016 በጀት ዓመት 1 ነጥቢ 3 ቢልየን ብር ልቓሕ ንምሃብ መደብ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ዕቋርን ልቓሕን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዝሓለፉ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን 2015 ዓ/ም ጥራሕ 116 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ን445 ኣባላት ልዕሊ 23 ነጥቢ 9 ሚልየን ብር ልቓሕ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።
እቲ ልቓሕ ንዝተፈላለየ ዓውደ ስራሕ ንዝነጥፉ ከምዝሃበ ገሊፁ።
ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረን ዘሎን ቁጠባዊ ቅልውላው ንምውፃእ ዘኽእል መስርሕ ብምሕንፃፅ ኣብ 2016 በጀት ዓመት ድማ 1 ነጥቢ 3 ቢልየን ብር ንኣበላት ኣገልግሎት ልቓሕ ንምሃብ መደብ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።