ትካል ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ዘመናዊ ዱኽዒ ሓመድ ንምጉዕዓዝ ዘኸእል ምስ ክልተ ዓለም ለኸ ትካላት ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ዘመናዊ ዱኽዒ ሓመድ (መዳበርያ) ንምጉዕዓዝ ዘኽእል ምስ ክልተ ዓለም ለኸ ትካላት ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ትካል ነቲ ስምምዕነት ዝተፈራረመ ዲ ኤች ኤልን ዳይመንድ ሺፕ ቡከርን ምስ ዝተብሃሉ ክልተ ዓለም ለኸ ትካላት እንትኸውን፥ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ቶን ዘመናዊ ዱኽዒ ሓመድ ናብ ውሽጢ ሃገር ክጓዓዓዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እቲ ስምምዐነት፥ ንዘመነ ምህርቲ 2012 ዓ.ም ዝኸውን 900 ሺሕ ቶን ዘመናዊ ዱኽዒ ብዲ ኤች ኤል ከምኡ እውን 560 ሺሕ ቶን ብዳይመንድ ሺፕ ቡከር ኣቢሉ ከምዝጓዓዓዝ ተገሊፁ።

ፈፃሚ ስራሕ ትካል ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣይተ ሮባ መገርሳ ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ትካላት ነቲ ዘመናዊ ዱኽዒ ንምጉዕዓዝ ዝተሓረዩሉ ምኽንያት በቲ ዓውዲ ብቑዕ ልምዲ ከምዘለዎም ስለዝተረጋገፀ ኢዩ።

መረፃ እቶም ትካላት ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ምጉታት ከይዲ ምጉዕዓዝ ንምቕራፍ ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ሮባ፥ ሓፈሻዊ ወፃኢ መጓዓዓዚ 42 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘድሊ እውን ገሊፆም።

እቲ ከይዲ ምጉዕዓዝ ድማ ብሚኒስትር ትራንስፖርት ከምዝምራሕን ከምዝተተሓባበርን ገሊፆም።

ናይ መጀመርታ ፅዕነት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ከምዝኣቱን ቅድሚ ሰነ 2012 ዓ.ም ሙሉእ ብሚሉእ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣትዩ ከምዝዛዘምን እውን ኣፍሊጦም።

ካብ ዝተበገሰሉ ጀሚሩ ክሳብ ዩኔናት ናይ ምብፃሕ ከይዲ ብትካል ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣቢሉ ክሳለጥ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ዘመናዊ ዱኽዒ፥ ካብ ሞሮኮ፣ ቻይና፣ ግብፅን ሕቡራት ዓረብ ኤሚራትን ከምዝመፅእ ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment