ትካል ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጀስቲክስን ኣብ 6 ኣዋርሕ 19 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጀስቲክስን ኢትዮጵያ ኣብ 6 ኣዋርሕ 19 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት ሽዱሽተ ወርሒ ኣመልኪቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ሮባ መገርሳ÷ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ቶን ኣገልግሎት ኦፕሬሽን ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

ኣይተ ሮባ ፥ እቲ ትካል 312 ሺሕ ቶን ብቱን ከምኡ 4 ሺሕን 500 ብኮንቴይነር ዝተዓሸገ ፅዕነት ከምዘጓዓዓዘ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment