ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣሜሪካ መሳርሒታት መመርመሪ ቫይረስኮሮና ብሓገዝ ንኢትዮጵያ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዓለም ለኻዊ ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣሜሪካ(ዩ.ኤስ.ኤይድ) መሳርሒታት መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ብሓገዝ ንኢትዮጵያ ኣበርኪቱ።

ዩ.ኤስ.ኤይድ ኢትዮጵያ ኣብ ትዊተር ገፁ ከምዝፀሓፎ፥  ቫይረስ ኮሮና ዝርከቦም ቁፅሪ ሰባት ይውስኽ ኣብ ዘለሉ እዋን ምስ ሚኒስቴር ጥዕናን ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ዓቕሚ ምምርማር ክብ ንምባል ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ እቲ ትካል መሳርሒታት መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ብሓገዝ ንኢትዮጵያ ከምዘበርከተ ብምግላፅ፥ እቲ ደገፍ ዓቕሚ ምምርማር ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ግደ ከምዝህልዎ ሓቢሩ።

እቲ መሳርሒታት መመርመሪ ቫይረስኮሮና፥ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ እቲ ቫይረስ ብዝለዓለ ኩነታት ኣብ ዝተላዐሎም ከባቢታት ከምዝውዕል ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment