ትካል ቄራታት ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ትንሳኤ ምድላዋት ምዝዛሙ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ቄራታት ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ትንሳኤ ምድላዋት ምዝዛሙ ገሊፁ።

እቲ በዓል ምኅንያት ብምግባር እውን 3 ሺሕ ዳልጋ ከፍቲ፣ 5 ሺሕ ኣባጊዕን ኣጣልን ከምዘሰናደአ ኣፍሊጡ።

ካብ ሕረተሰብ ዝመፅኡ ማሕረዲ እንስሳት ንምትእንጋድ ማሽናት ከምዘዳለወ እውን ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ዕለት ሕፅረት ሓይሊ ሰብ ከየጋጥም ድማ እቲ ትካል 200 ግዚያዊ ሰራሕተኛታት ምቑፃሩ ኣፍሊጡ።

ብኻሊእ መዳይ ማሕበር ነጋዶ ልኳንዳ ኣዲስ ኣበባን ማሕበር ነጋዶ ቀወምቲ እንስሳት ኢትዮጵያን ምድላዋቶም ከምዝዛዘሙ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ገሊፆም፡፡

ከ30 እስከ 40 ሺህ የሚጠጉ የእርድ እንስሳትም ወደ ከተማዋ የግብይት ስፍራዎች እንዲገቡ መደረጋቸውም ነው የተመለከተው

ካብ 30 ክሳብ 40 ሺሕ ዝኾኑ ማሕረዲ እንስሳት ናብታ ከተማ ማእኸል ዕዳጋታት ክኣትዉ ከምዘዝተገበሩ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ገዛን ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ዝግበሩ ማሕረዲታት ካብ እንስሳት ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ተቓላዕቲ ስለዝገብሩ፤ ሕብረተሰብ ናብ ትካል ቄራታት ብምምፃእ ንኽጥቐም እውን ፃውዒት ቀሪቡ።

ብዘቢብ ተክላይ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment