ትካል ቄራታት ልዕሊ 5 ሺሕ ኣገልግሎት ማሕረዲ እንስሳት ንመሃብ ምድላው ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅል በዓል ትንሳኤ 5 ሺሕ ኣገልግሎት ማሕረዲ እንስሳት ንመሃብ ምድላው ከምዝዛዘመ ትካል ቄራታት ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ፡፡

ሓላፊ ኣገልግሎት ርክብ ህዝቢ እቲ ትካል ኣታኽልቲ ገብረሚካኤል፥ ንበዓል ትንሳኤ ልዕሊ 5 ሺሕ ማሕረዲ እንስሳት ከምዝቐርቡ ብምሕባር ዝተቐላጠፈ ኣገልግሎት ንመሃብ ምድላው ከምዝተዛዘመ ኣረጋጊፆም፡፡

በዚ ድማ ክፍሊ ማሕረዲ፣ መፅንሒ እንስሳትን ፅገናን ሕድሳትን መከፋፈልቲ ተሸከርከርቲ ከምዝተሰርሐ ፀሪሖም፡፡

ምርመራ ቅድመን ድሕረን ምስተገበረ እቲ ኣገልግሎት ማሕረዲ ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብዝሓለወ መልክዑ ከምዝሳለጥ እውን ገሊፆም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ልዕሊ 3 ሺሕ እንዳስጋታት ኣገልግሎት ከምዝወሃበን እቶም ሓላፊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ግቡእ ከይዲ ምርመራ ዘይሓለፈ ዘይሕጋዊ ማሕረዲ ንጥዕና ጠንቂ ምዃኑ፣ ብዘይሕጋዊ መልክዑ ዝግበር ማሕረዲ ካብ ታክስ ንምርሓቕ ስለዝኾነ፥ ሃገር ካብቲ ዓውዲ ክትረኽቦ ዘለዋ ኣታዊ ስለዘስእን ከምኡ እውን ብክለት ከባቢ ከምዘስዕብ ብምግንዛብ ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment