ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ልዕሊ 600 ሺሕ ንዝኾኑ ሓረስቶት እታወት ሕርሻ ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግዳያት ጎንፂ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታ ንዝነብሩ 620 ሺሕ ሓረስቶት እታወት ሕርሻ ንምቕራብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣፍሊጡ።

ተወካሊት ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ምብራቕ ኣፍሪካን ቺሚምባ ዴቪድ ፊሪ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ትካል ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ቆራፅ ኢዩ፡፡

ብፍላይ መንግስቲ ኣብ ሰብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተጠቃዕቲ ጎንፂ ዝኾኑ ዜጋታት ንምጥያሽ ዝገብሮ ፃዕሪ እቲ ትካል ሓገዝ ከምዝገብር ኣብሪሆም።

ብምዃኑ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ሓረስቶት እታወት ሕርሻ ንምቕራብ እናሰርሐ ከምዝኾ ብምግላፅ፤ “መፍረያይነት ዝራእቲ ብዝበለፀ ንኽድንፍዕ ተወሰኽቲ ሓገዛት ክግብር ኢዩ” ኢሎም፡፡

እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ 230 ሺሕ ሓረስቶት 400 ሜትሪክ ቶን፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ 100 ሜትሪክ ቶን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ዓፋር ኣርባዕተ ሜትሪክ ቶን ዘርኢ ኣብፂሑ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment