ትካል ማሕበር ኣክሲዮን ልቓሕን ቁጠባን ኣዲስ ናብ ባንክነት ተሰጋጊሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ማሕበር ኣክሲዮን ልቓሕን ቁጠባን ኣዲስ ናብ ባንክነት ተሰጋጊሩ።

“ስኬት ባንክ ኣክሲዮን ማሕበር” ብዝብል ስያመ ኢዩ ናብ ባንክነት ተሸጋጊሩ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ፥ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ9 ባንኪ ማሞ ምህረቱን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

እቲ ትካል ብ26 ሰብ ዋና ኣክሲዮንን 10 ቢሊየን ብርን ዝተፈረመ ካፒታል ብምሓዝ ኢዩ ናብ ባንክነት ተሸጋጊሩ።

ኣይተ ማሞ ምሕረቱ፥ ትካል ልቓሕን ዕቋርን ናብ ባንኪነት ምዕባይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ባንኪታት ቁፅሪ ናብ 32 ከብ ክብል ከምዝገብር ተዛሪቦም።

እተን ባንክታት ንኹለ መዳይ ምዕባለ ሃገር ምርግጋፅ ትፅቢት ዝግበረሎም ንፍፅሙ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment