ትካል መፍረዪ እታወታት ኮምስትራክሽን ምክልኃል ንኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ኣስተዋፅኦ ንምግባር ዘኽእሎ ምምሕያሽ ይገብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል መፍረዪ እታወታት ኮምስትራክሽን ምክልኃል ንኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ኣስተዋፅኦ ንምግባር ዘኽእሎ ምምሕያሽ እናገበረ ምዃኑ ሚኒስትር ዲኤታ ምክልኻል ኣሕመዲን መሓመድ ገሊፆም።

ዶክተር ኣህመዲን መሓመድን ኣመራርሓታት ትካላት ኮንስትራክሽን ኢንጅነሪንግ ግሩፕ ምክልኻልን ኣብ ትካል መፍረዪ እታወታት ኮንስትራክሽን ምክልኻል ዑደት ገይሮም፡፡

ኣብ ዑደቶም ድማ ከይዲ ምፍራይ እታወታት ኮንስትራክሽንን ስራሕቲ ምስፍሕፋሕን፣ ስራሕቲ ሓፂን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ውፅኢታት ዕንጨይቲ ከምዝተመልከቱ ዶክተር ኣህመዲን ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ፅሒፎም፡፡

መፍረያይነትን ፅሬትን ንምምሕያሽ እናተኻየዱ ዝርከቡ ምምሕያሻት ቴክኖሎጂ ማሽነሪታት÷ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ክገብር ኣብ ዝኽእለሉ ዓቕሚ ንምብፃሕ እቲ ትካል እናካየዶ ዝርከብ ሪፎርም ሓደ ኣካል ከምዝኾነ ተመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment