ትካል ሓባሲ ንብዓት ዘቕርቦም ናይ እርማት ስጉምቲታት እናተተግበሩ ከምዘይኮነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ሓባሲ ንብዓት ኣብ ዘቕርቦም ናይ እርማት ስጉምቲታት ኣብ ታህተዋይን ማእኸላይን ብርኪ ምሕደራ መንግስቲ ግቡእ መልሲ ከምዘይረኽቡ ተገሊፁ።

እቲ ትካል ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይግምግም ኣሎ።

ትካል ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ከምብሓዱሽ ንምጥያሽ ብመሰረት ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1142/2011 ዝተውሃቦ ስልጣንን ሓላፍነትን ኣብ ስራሕ ንኽውዕል፥ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝዝ ናይምግባርን ምትግባርን ግቡኡ ከምዘለዎ ምድንጋጉ ተገሊፁ።

ይኹን እምበር ኣብ ታሕተዋይን ማእኸላይን ብርኪ ምሕደራ መንግስቲ ዘለዉ መፈፀምቲ ትካላት እቶም ዝቐረቡ መፍትሒ ሓሳባት ኣብ መንፅር ምፍፃም ስእነት ቆራፅነት ኣመራርሓ ከምዘሎ ተገሊፁ።

በቲ ትካል ኣብ ዝቐረበ ውፅኢት ምርመራን ናይ መፍትሒ እርማት ስጉምቲን ሓገዝቲ ዘይኾኑ ሰበ ስልጣናት ተሓተትቲ ክኾኑ ከምዝኽሉ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ናይ እርማት ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝግበኦም እውን ተመልኪቱ።

እዚ እንተዘይኮኑ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ዝበፅሕ ማእሰርቲ ወይ ድማ ብር 10 ሺሕ ቅፅዓት ገንዘብ ወይ እውን ብክልቲኡ ብገንዘብን ብማእሰርቲን ከምዘቕፅዕ በቲ ኣዋጅ ተቐሚጡ ኢዩ።

ዋና ዳይሬክተር ትካል ሓባሲ ንብዓት ዶክተር እንዳለ ሃይሌ፥ ኣብ ታሕተዎትን ማእኸለዎትን ብርኪ ምሕደራ መንግስቲ ዝርከቡ ትካላት ብዝቐረቡሎም መፍትሒ ሓሳባት ግቡእ ምላሽ ከምዘይህቡ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ ዝተውሃቡ መፍቲሒ ሓሳባት ተግባራዊ ዘይገብሩ መፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ተሓተትቲ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ትካላት ኣቢያተ ዕዮ ፌዴራል፥ ትካል ሓባሲ ንብዓት ዘቕርቦም መፍትሒ ሓሳባት ተቐቢሎም ናይ እርማት ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ካብ እዋን ናብ እዋን ምምሕያሽ እናርአየ ከምዝኾነን ብዝበለፀ ንኽመሓየሽ ግን ኣብቲ ጉዳይ ተኹረት ሂብካ ምስራሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

Comments (0)
Add Comment