ትካል ለምዓት እታዎታት ኢንዱስትሪ 4 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ለምዓት እታዎታት ኢንዱስትሪ ኣብ ዝተዛዘመ ባጀት ዓመት 4 ነጥቢ 39 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ገሊፁ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ወ/ሮ የሺመቤት ነጋሽ፥ ጠንካራ ሰንሰለት ቀረበን ዕዳጋን ብምፍጣር ፅርየቶም ዝሓለዉ እታዎታት በምቕራብ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ሓቢረን።

እቲ ትካል መንግስቲ ቀዳምነት ኣብ ዝሃቦም ዓውዲታት ነዝተዋፈሩ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ጥረ ኣቕሓን ዝተፈላለዩ እታዎታትን በዝተመጣጠነ ዋጋ የቕረብ ከምዘሎ እወን ተዛሪበን።

ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ብሙሉእ ዓቕሙ መፍራይ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣር እቲ ትካል ልዑል ፃዕሪ ይገብር ኣሎ ኢለን።

ብመሰረት እዚ ኣብ መቀነባበሪ ምግቢ ቫይታሚን፣ ጨው ኢንዱስትሪ፣ ኖዱልስ፣ ቀረብ መድሓኒትን ካልኦት እታዎታትን ምቕራብ ከምዝኸኣለ ሓቢረን።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment