ትካላት ዴሞክራሲ ናፃን ዘይሻራዊን ብምዃን ሃገራዊ ሓላፍነተን ክዋፅኣ ይግባእ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ዴሞክራሲ ናፃን ዘይሻራዊን ብምዃን ሃገራዊ ሓላፍነተን ክዋፅኣ ይግባእ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ኣገንዚቦም።

‘ግደ ትካላት ዴሞክራሲ ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ’ ብዝብል ርእሲ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ብኢንስቲቲዩት ኮንራድ ኣዴኑር እስቲፍተንግ ቲንክ ታንክ ፖሊሲ ጀርመንን ብሓባር ዝተሰናደአ ስልጠና  ህንፀት ዓቕሚ ንኣመራርሓ ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴራልን ክልላትን ከምኡ እውን ንሓለፍቲ ትካላት ዴሞክራሲ ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ይወሃብ ኣሎ።

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ ስልጠና÷ “ኣቢያተ ምኽሪ ተሳትፎ ህዝቢ ብምርግጋፅ፣ ውፅኢታዊ ማዕቐፍ ሕጊ ኣብ ምስንዳእ፣ ኣብ ስራሕቲ ክትትልን ቁፅፅርን ሕቶታት ህዝቢ ንኽምልሱ ብዕቱብ ክሰርሑ ይግባእ” ኢሎም።

ትካላት ዴሞክራሲ ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዝገብረኦ ኣስተዋፀኦ ዕዙዝ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እተን ትካላት ናፃን ዘይሻራዊን ብምዃን ሓላፍነተን ክፍፅማ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብፍላይ ትካላት ሚዲያ ትኽክለኛ ሓበሬታ ኣብ ምቕራብ፣ ብሕብረተሰ ዝለዓሉ ሓሳባት ትኹረት ሂብካ ብምስራሕ ከም ሃገር ሓበራዊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ብምድሃብ ባህሊ ዴሞክራሲ ንምህናፅ ክተግሃ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment