ትካላት ወታደራዊ ሓበሬታ ምብራቕ ኣፍሪካ ሓይሊታት ፀረ ሰላም ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ወታደራዊ ሓበሬታ ምብራቕ ኣፍሪካ ራዕዳውያንን ሓይሊታት ፀረ ሰላም ብሓባር ንምክልኻል ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ትካላት ወታደራዊ ሓበሬታ ምብራቕ ኣፍሪካ “ሰላማዊን ድሕንነታ ዝተረጋገፀ ኣፍሪካን” ንምፍጣር፥ ኣብ ዶባት፣ ብሳይበር፣ ኣብ ዙሪያ ማሕበራዊ ጉዳያት፣ ኣብ ሓለዋ ከባቢ፣ ኣብ ስእነተ ስራሕ መናእሰይ ከምኡ እውን ካልኦት ዛዕባታት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

ፎረም ትካላት ወታደራዊ ሓበሬታ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ታንዛኒያን ዩጋንዳን ተሳቲፈን።

ኣብቲ ዞባ ጉዳያት ፀፅታን ድሕንነትን ዘድሃበ ዘተ ዝገበሩ ትካላት ወታደራዊ ሓበሬታ ምብራቕ ኣፍሪካ፥ ትካላት ኢትዮጵያ እቲ ፎረም ንምዕዋት ዝገበረቶ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኖም።

ቀፃሊ መድረኽ ዘተ ኣብ ዩጋንዳ ከምዝካየደ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment