ትካላት እምነት ክርስትናን እስልምናን  ኣብ ኣቢያተ እምነት ሞጣ ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ኮኒነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ኣምሓራ ትካላት እምነት ሞጣ ዝተፈፀሙ መጥቃዕቲታት ኮኒነን።

እተን ትካላት እምነት፥ ኣብ ከተማ ሞጣ ኣብያተ ክርስትያንን መስጊዳት ምቅፃሎም ስዒቡ ኣብ ዘውፀአኦ መግለፂ ኢየን ነቲ ፍፃመ ዝኾነነኦ።

ኣብያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀአቶ መግለፂ፥ ብዝበፅሐ ዘይተሓሰበ ጉድኣት ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፣ ምእመናንን ምእመናትን፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ኣባላት መጅሊስን መላእ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምናን ዝተሰመዓ ሓዘን ገሊፃ።

እቲ ጉዳይ ክሳብ ዝፀረ ኩሉ ሕብረተሰብ ብዝተረጋገዐን ብትዕግስቲን ንኽፅበ  ኣተሓሳሲባ።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ብግዲኡ፥ ትማሊ ዕለት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ከተማ ሞጣ ዘይተረጋገፀ ሓበሬታ ብምፍናዉ ኣብ ልዕሊ መስጊዳትን ናውቲን ጉድኣት ምብፅሑ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ መንግስታዊ ኣካላት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ከምኡ እውን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ክኹንንዎ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብቲ ጥፍኣት ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብትሕቲ ቀይዲ ክውዕሉ ከምዝግባእ እውን እተን ትካላት እምነት ገሊፀን።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment