ትካላት ኣሜሪካ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኔቬሽንን ኢትዮጵያ ንምውፋር ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ብምኽትል መራሒ ሚሲዮን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዴቪድ ሬንዝ ምስ ዝተመርሐ ኣባላት ኮሚቴ ድሕንነት ተመረፅቲ ሴኔት ኣሜሪካ ተዛቲዮም፡፡

ክልቲአን ሃገራት ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ትካላተን ብሓባር ክሰርሓ ዝኽእላሉን እቲ ዓውዲ ንኣፍሪካ ኢኮኖሚ ኣብ ዝህልዎ ኣስተዋፅኦን ዝምልከት ልዝብ ኣካይዶም።

ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር አህመዲን መሓመድ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ምስ ኣሜሪካ ብሓባር ናይ ምስራሕ ድሌት ከምዘለዋን ትካላት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ፀዊዖም።

ብምኽትል መራሒ ሚሲዮን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ዴቪድ ሬንዝ ብግደኦም፥ ትካላት ኣሜሪካ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኔቬሽንን ኢትዮጵያ ንምውፋር ድሌት ከምዘለወን ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment