ትካላት “ንዑ ዝፈረሰ ትካል መፍረዪ ወለዶ መሊስና ንህነፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ስምምዕነት ምትእኽኻብ እቶት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒሰስቴር ትምህርቲን ኢትዮ ቴሌኮምን መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ ንምስንዳእ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሀኑ ነጋን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬሕይወት ታምሩን ኢዮም እቲ ስምምዕነት ፈሪሞምዎ፡፡

እቲ ምትእኽኻብ እቶት ሙሉእ ብሙሉእ ዝዓነዉ 1 ሺሕን 90 ኣቢያተ ትምህርቲ፣ 3 ዩኒቨርሲቲታትን 3 ኮሌጃትን መሊስካ ንምህናጽ ዝውዕል ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ትምህርቲ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ሓገዝ ክገብሩ ንዝደልዩ ኣካላት አኢትዮ ቴሌኮም ዘሰናደኦም ዓይነታት ክፍሊት ዋና ፈፃሚት እቲ ትካል ፍሬህይወት ታምሩ ዕላዊ ገይረን።

ሓገዝ ክገብሩ ዝደልዩ ኣካላት ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 1000448700945፣ ብሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ዓቕሚ ብዝፈቐዶ መጠን ገንዘብ ብምፅሓፍ 9222 ብምልኣኽ፣ ብቴሌ ብር ሓገዝ ንምግባር ቁፅሪ ቴሌብር 9222 ምጥቃም ከምዝከኣል ተገሊፁ።

ቴሌብር ሓዋላ ብምትቓም እውን ካብ ወፃኢ ሃገራት ሓገዝ ንምግባር 0993161616 ብምጥቃም ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ እታወታት ትምህርቲ 4 ኪሎ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ዕዮ ሚኒሰስቴር ትምህርቲ ብምምፃእ ሓገዝ ምግባር ከምዝከኣል እቲ ሚኒሰስቴር ኣፍሊጡ።

ብማህሌት ተክለብርሃን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment