ትካላት ንመኣዲ ንሃገር ዝገብርኡ ደገፍ ገንዘብ ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ትካላት ንመኣዲ ንሃገር ዝገብርኡ ደገፍ ገንዘብ ይቕፅል ኣሎ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ሻምናይ ዙር ፕሮጀከት መኣዲ ንሃገር ደገፍ ዝገበራ ትካላት ዝርዝር ዕላዊ ገይሩ።

እተን ትካላት ካብ 5 ክሳብ 10 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገበራ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣርባ ምንጭ ቴክስታይል፣ ኣልፋራግ፣ ኣላይድ ኬሚካልስ ሓላፊነቱ ዝተወሰነ ናይ ወልቀ ኩባንያ፣ ራጅ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ሓላፊነቱ ዝተወሰነ ናይ ወልቀ  ኩባንያ፣ ዌብስፕሪክስ ኣይቲ ሶሉሽን ሓላፊነቱ ዝተወሰነ ናይ ወልቀ ኩባንያ፣ ዳንጎቴ ሲሚንቶ ኢትዮጵያ ሓላፊነቱ ዝተወሰነ ናይ ወልቀ ኩባንያን ሲኖማ ኢንተርናሽናል ኢንጅነሪንግ ኮርፖሬሽንን ደገፍ ምግባረን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ሳፋሪኮም ቴሌኮሙኒኬሽን ሓላፊነቱ ዝተወሰነ ናይ ወልቀ ኩባንያ፣ ባህራን ትሬዲንግ ፣ ዮቴክ፣ ጀርመን ኢንዱስትሪያል ኮምፕሌክስ፣ ሞቲ ኢንጅነሪንግ፣ ጎመጁ ኦይል፣ ገደብ ኢንጅነሪንግ፣ ንፋስ ስልክ ቀለም፣ ድሬ ብረታ ብረት፣ ድሬዳዋ ራስ ሆቴልን ትራኮን ትሬዲንግን እውን ደገፍ ምግባረን ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment