ትካላት ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ፌዴራልን ክልላትን ኣፈፃፅማ ትልሚ 6 ኣዋርሕ ይግምግሙ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዝተዳለወ ኣፈፃፅማ ፈላማይ መንፈቕ በጀት ዓመት ትካላት ሚድያን ኮሚኒኬሽንን ፌድራልን ክልልን ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ዕብየትን ህንፀት ገፅታን ጥንኩር ስራሕቲ ሚድያን ኮሚኒኬሽንን ከምዝተሰርሑ ተዛሪቦም።

ዶክተር ለገሰ ቱሉ ከምዝበልዎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፅዕንቶ ትኹን ደኣ እንበር ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ጭቡጥ ለውጢ ተመዝጊቡ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብልምዓት ስርናይ፣ ስራሕቲ ሰናይ ምምሕዳር፣ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ጉዳያት ዲፕሎማሲን ዘተባብዕ ውፅኢት ተራእዩ ክብሉ ሓቢሮም።

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን  ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም መሰረት ንክሕዝ ከምኡ እውን ብኻልኦት ሃገራዊ ዓወታት ብፍላይ ኣብ ዘፈር ሚድያን ኮሚኒኬሽንን ጥንኩር ስራሕ ሰሪሑ እዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣኽራሪነት ሕልኽልኽ ዝበሉ ፀገማት ብምፍጣር ፅዕንቶ ምግባሮም ዝገለፁ እቶም ሚኒስተር ፤ንዙይ ድማ ብምምካት ዘተባብዕ  ስራሕ ተሰሪሑ እዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ተወዲብካ ብምምካት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምጥን ስራሕቲ ሚድያን ኮሚኒኬሽንን ምስራሕ ከምዝግባእ ኣልዒሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment