ትካላት መንግስቲ ጎድና ጎድኒ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻል ግዕፅይና ከድህባ ከምዝግባእ ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ፌዴራል ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስታዊ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ጎድና ጎድኒ ምክልኻል ኮቪድ-19 ተተሓሒዞም ክፍጠሩ ኣብ ዝኽእሉ ተግባራት ግዕፅይና ብዕቱብ ክከላኸሉ ከምዝግባእ ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ፌዴራል ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ብብርኪ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ተላባዲ ሕማም ኮቪድ-19 ንምክልኻል ኩለመዳይ ኣድህቡኡ ገይሩሉ ይርከብ።

ዋላ̕ኳ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቓሳት ተወሰኽቲ ፀገም ከይፈጥሩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይኹኑ እምበር መንግስቲ ኣብቶም ጉዳያት ተወጢሩ ምህላዉ ዝተዓዘቡ ኣካላት ናብ ውልቀ ረብሐኦም ምምላሶም ኣይተርፍን ተባሂሉ።

ኮሚሽን ፀረ ግዕዝይና ፌዴራል ሎሚ መዓልቲ ዝሃቦ መግለፂ እውን ነዙይ ዘመላኽት ኢዩ።

ምክትል ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣይተ ወዶ ኣጦ፥ ከም ዘይሕጋዊ ወረራ መሬት፣ ኣብ ከባቢ ኣተኣኻኽባ ግብሪን ትካላት ፋይናንስን ፀገማት ከምዝተርኣዩ ሓቢሮም።

ብምዃኑ ድማ ዝምልከቶም መንግስታዊ ትካላት ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐ ክገብ ከምዝግባእ እቲ ኮሚሽን ኣተሓሳሲቡ።

መሰል ፀገማት እንተጋጥሙ እግሪ እግሪ እናተኸታተለ ንከስተኻኽሉ ከምዝገብርን ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰደሎም ከምዝገብርን ዝገለፀ እቲ ኮሚሽን፥ ንዕዉትነቱ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲዱ እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment