ትካላት ሓበሬታ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻል ዝሰርሑዎም ሓበራዊ ወፍሪታት ኣጠናኺም ንምቕፃል ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላት ሓበሬታ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ እናተስፋሕፈሐ ዝመፅአ ግብረ ራዕዲ ንምክልኻል ዝሰርሑዎም ሓበራዊ ወፍሪታት ኣጠናኺም ንምቕፃል ከምዝተስማዕምዑ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ÷ ብምክትል ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ሲሳይ ቶላ ዝተመርሐ ልኡኽ 19 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ተተሓሒዙ ጉድኣት ንዝበፅሖም ተጎዳእቲ ዝኾኑ ካብ ኢትዮጵያ ዝተለኣኹ መሳርሒታት ሕክምናን ኣፋውስ ሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ተላኢኹ፡፡

ምክትል ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ሲሳይ ቶላ÷ ጎና ጎድኒ እቲ መርሃ ግብሪ ምስ ዳይሬክተር ጀነራል መዘና ትካል ማሓድ ሞሓመድ ኣብ እዋናዊ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ልዝብ ገይሮም፡፡

እቶም ምክትል ዳይሬክተር ጀነራል ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ሶማሊያ መቃዲሾ ብዝበፅሐ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ዝተሰመዖም ሓዘን ምግላፆም ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ መሰል ተጓንፎታት ዝፈጥሩ ኣካላት ንምትራፍ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝግበሩ ቃልሲታት ግብረ ራዕዲ ዝምልከቱ ምሕዝነታትን ምትሕብባራትን ምጥንኻር ከምዝግባእ ምግላፆም ተሓቢሩ፡፡

ዳይሬክተር ጀነራል ናሽናል ኢንተለጀንስ ኤንድ ሴኩዩሪቲ ኤጀንሲ ሶማሊያ ማሓድ ሞሓመድ ብግደኦም÷ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተበረ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ግብረ ራዕዲ ናይ ምክልኻል ወፍሪታት ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ዝደልዩ ስለዝኾኑ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተስፋሕፈሐ ስግኣት ንምምካት ቁልፊ መሓዛ ምስ ዝኾነት ኢትዮጵያ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሀ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment