ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሓባር መምርሒ ዝተደረኸ ጥንኩር ትካል ክፈጥሩ ይግባእ – ቀ/ሚ ኣቢይ

አዲስ አበባ፣ ግንቦት 7፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሓባር መምርሒ ዝተደረኸ ጥንኩር ትካል ክፈጥሩ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚነሲትር ምስ መራሕቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እሰርልምና ኢትዮጵያ፣ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያን ኣመንቲ ወንጌል ካውንስል ኣቢያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያን ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ናይ ሓባር እሴታት ብምጥቃም ንፈጣሪ ዝፈርሕ፣ ሃገርን ህዝቢን ዝጠቅም ትውልዲ ምፍጣር ይግባእ ኢሎም።

እዚ ንምግባር ድማ እተን ትካላት ሃይማኖት ዘመን ተሸጋሪ ትካል ክፈጥራ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኩሎም እምነታት ብዓለማዊን መንፈሳዊን ፍልጠት ዝማዕበሉ፣ ብታሪኽን ብዕድመን ዝበሰሉ መምርሒታት ዘለዉዋ ሃገር ትኹን እምበር ጥንኩር ትካል ብዘይምህላዉ ብግቡእ ከምዘይተጠቐመትሎም ገሊፆም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ዝፍጠር ትካል፥ ሃገራ ሃፍቲ ብትኽክል ብምፍላጥን ዓቕሚ ብምትእኽኻብን ሃገር ክትርባሕ ምግባር ከምዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብሪሆም።

 

ብተወሳሂ ድምፂ ንዘይብሎም ሰባት ድምፂ ዝኸውን፣ ኣብ ህንፀት ሰላም ዝሳተፍ፣ ኣብ ሓደጋ ግዘ ተሓባቢሩ ዝሰርሕን ማሕበራዊ ድሕንነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ዝነጥፍን ከምኡ እውን ናይ ምግልጋል ልምዲ ንመናእሰይ ዘመሓላለፍን ከምዝኸውን ተገሊፁ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብግደኦም፥ ጥንኩር ትካል ኣብ ምጥያሽ ብምስምዕማዕ ኣብ ቀፃሊ ተወሳኺ ዘተ ከምዘድሊዮ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment