ትእምት ንዝተፈላለዩ ማሕበራት ልዕሊ ብር 45 ሚልየን ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ንዝነጥፉ ማሕበራትን ትካላትን ልዕሊ ብር 45 ሚልየን ሓገዝ ሎሚ መዓልቲ ኣረኪባ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣይተ ጥላሁን ታረቀ፥ ትእምት ልምዓት ትግራይ ኣብ ምስላጥ ናይ ባዕላ እጃም እናተፃወተት ከምትርከብ ገሊፆም።
ብመሰረት ዝተጣየሸትሉ ዕላማ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ንግዲ ዝርከብ ትርፊ መንግስትን ህዝብን ክበፅሐሎም ዘይከኣለ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ንምፍታሕ ምንቅስቓስ እናገበረት ከምዝመፀት እውን ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብር 3 ቢልዮን ዝኸውን ስራሕቲ ሓገዝ ምግባረ ሰናይ ከምዘበርከተት ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ እቲ ሓገዝ ኣብ ቀፃሊ እውን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም።

እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መድረኽ፥ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ፀገም ኣባላተን ዝፈትሓሉን ብኡ ኣቢለን ድማ ልምዓት ትግራይ ኣብ ምስላጥ እጃመን ዘወፍያሉን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንምግባር ዓሊሙ ዝተዳለወን መቐፀልታ ናይቲ ቅድሚ ሕዚ እናተሰርሐ ዝፀንሐ ተግባር ምዃኑ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ፥ ማሕበር ጉዱኣት ኲይናት ትግራይ ብር 22 ነጥቢ 6 ሚልዮን፣ ማሕበር ተጋደልቲ ትግራይ ብር 10 ሚልዮን፣ መሐብሐቢ ኣረጋውያንን ሕሙማን ኣእምሮን ፍሬሚናጦስ ብር 4 ሚልዮን፣ ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ ብር 4 ሚልዮን፣ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ብር ሓደ ሚልዮን፣ መሐብሐቢ ሕሙማን ኣእምሮ ሰናይ ተግባር ብር ሓደ ሚልዮን፣ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ ድሌት (Special needs) ትግራይ ብር 500 ሽሕ፣ ማሕበር ነባራት ተጋደልቲ ኤችኣይቪ ፖዚቲቭ ብር 500 ሽሕ፣ ማሕበር ኑር-ሰላም ኤች ኣይ ቪ ፖዚቲቭ ብር 500 ሽሕ፣ ማሕበር ተጠቃዕቲ ስጋ-ደዌ ኣካል ጉዱኣት ትግራይ ብር 500 ሽሕ፣ ትካል ስራሕቲ ምልላይ ሙሉ ሃይለስላሴ ብር 388 ሽሕ ከምኡ እውን ትካል ስራሕቲ ምልላይ ዮሃንስ ኣርከበ ብር 312 ሽሕ ዝሓዘ ቸክ ካብ ኢድ እቶም ዋና ዳይሬክተር ተረኪቦም እዮም።

ተወከልቲ እተን ማሕበራትን ትካላትን ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ድማ፥ ትእምት እትገብሮ ዘላ ሓገዝ ዓብዪ ምልዕዓልን ወነን ዝፈጥረሎም ከምዝኾነን ካልኦት ትካላት ልምዓት እውን ኣብ ተመሳሳሊ ሓገዝ ክሳተፋ ተላቢዮም።

ፍልፍል፦ ወይን ጋዜጣ

Comments (0)
Add Comment