ትእምት ብውሑዳት ተወኒኑ እንተፀንሐ እዉን ሃፍቲ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ስርሑ ንክቕፅል መንግስቲ ከምዝወሰነ ዶከተር ኣብረሃም በላይ ኣፍልጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትእምት ብውሑዳት ተወኒኑ እንተፀንሐ እዉን ሃፍቲ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ስርሑ ንክቕፅል መንግስቲ ከምዝወሰነ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ዶከተር ኣብረሃም በላይ ኣፍልጦም።

ዶክተር አብርሃም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃብዎ ጋዝጣዊ መግለፂ ኣብቲ ትካል ዝተጀመረ ጉዳይ ብቤት ፍርዲ ጎድኒ ንጎድኒ ከቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ሰራሕተኛታት ትእምት ስርሖም ንክጅምሩ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ብምግላፅ እቲ ኣመርርሓ ብበዓል ሓደራ ንክምራሕ መንግስቲ ኣሚኑሉ ናብ ቤት ፍርዲ ንውሳና ኣቐሪቡዎ ኢዩ ኢሎም።

እቲ በዓል ሓደራ ሸውዓተ ኣባላት ዘለዉዎ እንትኸዉን እቶም ሓሙሸተ ብትምህርቲን ተመሳሳሊ ዓወዲን ልምዲ ዘለዎም ኢዮም ኢሎም፡፡

እቶም ክልተ ድማ ካብ ሚኒስቴራት ገንዘብን ንግድን ኢንዱስትሪን ዝተመረፁ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ጉዳይ ትእምት ብቤት ፍርዲ ዝተትሓዘ እኳ እንተኾነ ዝተወሰነ ነገር ግን የለን ዝበሉ ዶክተር ኣብረሃም መሃያ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ንክኽፈልን ስራሕ ንክጅምሩን መንግስቲ ወሲኑ ኢዪ ኢሎም፡፡

ኣቲ ዝተገበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብተፃራሪ ደው ብምባል ኣብ ኩይናት ዝተሳተፉ ተንቀሳቐስቲ ንብረተት ጉዳይ ብዝምልከት ድማ ብኣግባብ ሕጊ ክረአ ኢዩ ኢሎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment