ትእምት ሓደጋ ውሕጅ ንዝበፅሖ ህዝቢ ዓፋር ልዕሊ ብር 2 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ብሓገዝ ኣበርኪታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምግባረ-ሰናይ ትእምት ምስ ትራንስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ብምኽንያት ምምላእ ሩባ ኣዋሽ ንሓደጋ ውሕጅ ዝተቓልዑ ወገናት ልዕሊ ብር 2 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ብሓገዝ ኣበርኪታ።

ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣስሓይታ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ካብ ቤት ንብረቶም ንዝተመዛበሉን ኣብ ከቢድ ፀገም ንዝርከቡን ወገናት ብልዕሊ 2 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ደገፍ ሕሩጭን ዘይቲ ብልዕን ከምዝለኣኸት እታ ትካል ኣፍሊጣ። እቲ ዝግበር ሓገዝ፥ መጠን ኩነታት እቲ ሓደጋ እናተርኣየ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ እውን ተባሂሉ።

በቲ ሓደጋ ልዕሊ 42 ሽሕ ህዝቢ ብቀጥታ ጉድኣት ከምዝበፅሖ ዝገለፀት ትእምት፥ ንዕለት ምግቢ ዝተፀገሙ ህፃናትን ኣረጋውያንን ዘድሊ ሓገዝ ከምዝገበረት ገሊፃ።

ነበርቲ እታ ወረዳ ብግደኦም፥ እቲ ሓገዝ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ዝፀንሐ ኩነታት ዘይፀልዎ ስጡም ምሕዝነት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment