ትንሳኤ ኢትዮጵያ ካብ ምርግጋፅ ጠጠው ከብለና ዝኽእል ምድራዊ ሓይሊ ኣይህሉን – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትንሳኤ ኢትዮጵያን ካብ ምርግጋፅ ጠጠው ከብለና ዝኽእል ምድራዊ ሓይሊ ኣይህሉን ክብላ  ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ከተማ ሓቆፍ በዓል ሻደይ፣ ኣሸንድዬን ሶለልን ኣብ ኣዲሰ ኣበብ ጎራዙን መናእሰይን ደቂኣንስትዮ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን ዝተረኸባ እተን ከንቲባ፥ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈፀሞ ወራር ዝኹንንን ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍን ምንቅስቓስ ኣካይደን፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጀላ መርዳሳ፣ ሚኒትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኡርጎጌ ተስፋየ፣ ሓላፊት ቢሮ ባህሊ፣ ኪነ-ጥበባትን ቱሪዝምን እታ ከተማ ዶክተር ሂሩት ካሳውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብን ኣብቲ ምንቅስቓስ ተሳቲፎም፡፡

ወይዘሮኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ፥ ቀንዲ ዕላማ ምኽባር እቲ በዓል ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ክብሪ ምሃብ፣ ድምፂ ንፁሃት ወገናት ክስማዕ ምግባርን ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምኹናንን ኢዩ።

ኢትዮጵያውያን ሀገርን በማስቀደም፣ በሁሉም ግንባሮች፣ በንቃትና በትጋት በአንድነት መሰለፍ ግድ ይለናልም” ነዉ ያሉት።

ኢትዮጵያ ንሰላም ዝዘርገሐቶ ኢድ እንተይተረኣየ ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ዝሓበረ ወራሪ ሓይሊ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ፅዕንቶ ክፈጥረሉ ከምዝግባእ ምግንዛበን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment