ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ መበል 17 መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ መላእ ሃገር ተኸቢሩ ክውዕል ኢዩ፡፡
ንምዃኑ ሕብሪታት ሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያን ኣብማእኸል እቲ ሰንደቕ ዕዓማ ዝርከብ ኣርማ ትርጉሞም እንታይ ኢዩ?
- ሓምለዋይ ሕብሪ፡- ምልክት ስራሕ፣ ልምላመን ምዕባለን ኢዩ፡፡
- ብጫ፡- ምልክት ተስፋ፣ ፍትሒን ማዕርነት ኢዩ፡፡
- ቀይሕ ሕብሪ፦ ምልክት ናፅነትን ማዕርነት ንምዕሳልን ዝግበር መስዋእትነትን ጅግንነትን ኢዩ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ማእኸል እቲ ሰንደቕ ዕላማ ዝርከብ ኣርማ ትርጉሙ ኣብታ ታሕቲ ዝቐረበ ከምዝኾነ ሓበሬታ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ የመላኽት፡፡
- ክቢ ዝኾነ ሰማያዊ መደብ፦ ንሰላም ዘመላኽት ኢዩ፡፡
- ቀጥታን ማዕረ ዝኾኑ መስመራትን፡- ማዕርነት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ከምኡ እውን ማዕርነት ሃይማኖታት የመላኽት፡፡
- ቀጥታን ኣብ ማዕረ ዝኾኑ መስመራት ዝተዋደደ ኮኸብ፡- ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብምፍቕቓድ ዝመስረቱዎ ሓድነት የመላኽት፡፡
- ብጫ ጨረር፡- ኣብ ምፍቕቓድ ሓድነት ንዝመስረቱ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ዝበረቐ ጩራ ብሩህ ተስፋ ይሕብር፡፡