ትራምፕ ወታደራዊ ‘ሓይሊ ህዋ’ ኣሜሪካ ብዕሊ ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ወታደራዊ ‘ሓይሊ ህዋ’ ኣሜሪካ ትማሊ ዕለት ብዕሊ ከፊቶም።

ልዑል ረብሓ ኣለዎ ዝበሉዎ እቲ ሓይሊ ህዋ፥ ኣብ ጥቓ ዋሸንግተን ኣብ ዝርከብ ሰፈር ሰራዊት ኢዮም ከፊቶምዎ።

እቲ ሓይሊ ህዋ “ሓዱሽ ስርዓት ውግእ ዓለም” ብምባል ከምዝገለፁዎ እውን ተሓቢሩ።

ከቢድ ስግኣት ሃገራዊ ድሕንነት ኣብ ዘለሉ እዋን ዓብላላይነት ሓይሊ ህዋ ኣሜሪካ  ከረጋግፅ ምኽኣሉ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንምክልኻል ስግኣት ሓይሊ ሰራዊት ህዋን ኣሜሪካ ልዑል ቦታ ንኽህልዋ ከምዝሕግዝን እውን  እቶም ፕዚዳንት ኣፍሊጦም።

እቲ ሓይሊ ህዋ፥ 16 ሺሕ ዝኣኽሉ ሓይሊ ኣየርን ሰቪልን ሰራሕተኛታት ዝሓቖፈ ምዃኑ ዋና ፀሓፊ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ተዛሪቦም።

 

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

Comments (0)
Add Comment