ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትሩፋት ሌማት ኣብ ገዛን ብብርኪ ሃገርን ምግቢ ርእስኻ ንምኽኣልን ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምርግጋፅን ወሳኒ ግደ ከምዝፃወት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
እቲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 2015 ዓ.ም ሃገር በቆል መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ከምዘጀመሩ ኣዘኻኺሩ፡፡
እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ኣርባዕተ ዓመታት ትልሚ ስራሕ ፀባን ውፅኢት ኣብ ፀባን፣ ደርሆ፣ እንቋቑሖ፣ መዓርን ፍርያት ዓሳን ኢሉ እውን መፍረያይነት ኣብ ምድንፋዕ ዘድሀበ ከምዝነበረ ፀሪሑ፡፡
ብዝለዓለ ደረጃ ካብ ምፍራይ ሓሊፉ ኣብ ኣናእሽተይ መንበሪ ኣባይቲ ዝግበሩ አሕምልቲ ገደናን ምርባሕ ደርሆን፣ ኣናእሽተይ ስራሕቲ ምርባሕ ዓሳ ምንቅስቓስ ምርባሕ ንህቢን ናይ ምድጋፍ ስራሕ ዝሰርሕ መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቡ፡፡