ትማሊ ኣብ ፓላንድ ቱራን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ኣብ ፓላንድ ቱራን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ካልኣይ ክብረ ወሰን ዓለም ብዝኾ ውፅኢት ተዓዊታ።

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ናይ ትማሊ ውድድራ ባዕላ ካብ ዝሓዘቶ ክብረወሰን ዓለም ብክልተ ሰኮንድ ትሕት ኢላ 3፡54.77 ብዝኾነ ውፅኢት ኢያ ቀዳማይቲ ወፂኣ።

ኣብቲ ውድድር ለምለም ሃይሉ ብ4፡02.25 ካልአይቲ፣ ፍረወይኒ ሃይሉ ብ4፡02.50 ሳልሰይቲ፣ ኣትሌት ሃብታም ኣለሙ ራብዐይቲ፣ ሂሩት መሸሻ ሓምሸይቲ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን።

ብ3000 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ 7:31.09 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ተዓዋቲ ኮይኑ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሰለሞን ባረጋ 2ይ ደረጃ እንትሕዝ÷ ኣትሌት ጌትነት ዋለ ራብዓይ፣ ኣድሃነ ካሕሳይ 7ይ፣ ሃፍቱ ተክሉ 9ይ ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም፡፡

ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ትዕግስት ግርማ ሳልሰይቲ ከምኡ እውን ወርቅነሽ መሰለ ሓምሸይቲ ብምውፃእ ነቲ ውድድር ምዝዛመን ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment