ትማሊ ምሸት ኣብ ደቡብን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ክፍሊታት ኣብ ሰማይ ዝተርኣየ ኣጋጣሚ

ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስፔስ ሳይንስ ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 1፡30 ኣብ ከባቢታት ደቡብን ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ኣብ ሰማይ ዝተርኣዩ እናተቐፃፀሉ ብልዑል ቅልጣፈ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ እኩባት ቁስ ኣካላት ከምዝተርኣዩ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብቶም ዝተርኣዩ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት ምዕዛብ ከምዝኸኣሎ ናይዞም ኣካላት እኩብ ፍርስራስ ጠፈር ወይ እውን ፍንፃሕ ከውሒ ሚቲዮር ከምዝመስሉ ዕላዊ ገይሩ።

እቶም እኩባት ናብ ደቡባዊ ኣንፈት ኢትዮጵያ ብልዑል ቅልጣፈ ኣብ ሰማይ እናተሓምበቡ ከምዝነበሩ እውን ኣመልኪቱ።

ናይቲ ኣጋጣሚ ተፈጥሮ ብትኽክል መብርሂ ንመሃብ ንምኽኣል ነቲ ኩነታት ብቕርበት እናፃረየ ከምዝርከብ እቲ ትካል ገሊፁ።

ዝተፃረየ ሓበሬታ እንትበፅሕ ንሕብረተሰብ ዕላዊ ከምዝገብር እውን ሓቢሩ።

ከይዲ ምፅራይ ክሳብ ዝዛዘም ኩሉ ሰብ ብዝተረጋግአ መንፈስ ንኽፅበ እውን ኣተሓሳሲቡ።

Comments (0)
Add Comment