ትማሊ ምሸት ናብ ባህርዳርን ጎንደርን ሮኬት ከምዝተተኮሰ መፃረዪ መረዳእታ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት ናብ ባህርዳርን ጎንደርን ሮኬት ከምዝተተኮሰ መፃረዪ መረዳእታ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ከባቢ መዕርፎ ኣውሮፕላን መጠነኛ ጉድኣት በፂሑ ኢዩ ኢሉ።

ስግብግቡ ጁንታ ኣብ ኢዱ ዘሎዉ ናይ መወዳእታ መሳሪታት ጋጊኑ ንተልእኾ ጥፍኣት ንምውዓል ፈቲኑ ኢዩ ክብል እውን ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ቅድሚ ምሟቱ ናይ መወዳእታ ዓቕሙ ይፍትን ከምዘሎ ዘርአይ ኢዩ ኢሉ።

ዝርዝሩ መርማሪ ጉጅለ ተመዲቡ የፃርዮ ከምዘሎ መፃረዪ መረዳእታ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment