ትሕቲ 17 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሩዋንዳ ኪጋሊ ኣቲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትሕቲ 17 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሩዋንዳ ኪጋሊ ኣቲያ።

እታ ብሄራዊት ጋንታ ብኣሰናዳእነት ሩዋንዳ መፃኢ ቀዳም ኣብ ዝጅምር ውድድር ፅዋዕ ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ (ሴካፋ) ንምስታፍ ኢዩ ኪጋሊ ኣቲያ ዘላ።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ሸውዓተ ሃገራት ዝሳተፋሉ እንትኸውን፥ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ምድብ ሓደ ምስ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ተመዲባ ኣላ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ 20 ተፃወትቲ ዘካተተት እንትትከውን፥ ን10 መዓልቲታት ክትፅንሕ ኢያ ተባሂሉ።

ኣብቲ ውድድር፥ ኣብ 2021 ብኣሰናዳእነት ሞሮኮ ኣብ ዝካየድ ትሕቲ 17 ዓመት ኣህጉራዊ ውድድር ኩዕሾ እግሪ ነቲ ዞባ ዝውክሉ ሃገራዊ ጋንታታት ከምዝምረፁ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment