ትሕቲ ደረጃ ዝኾኑ ኤልኢዲ ኣምፖላትን መከፋፈሊ ኤሌክትሪክን ኣብ ረብሓ ከይውዕሉ ተኣጊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍልፍሎም ዘይተፈለጡን ትሕቲ ደረጃ ፅሬት ዝኾኑን ኤልኢዲ ኣምፖላት፣ መከፋፈሊ ኤሌክትሪክን ዋየር ፍርያትን ኣብ ረብሓ ከይውዕሉ ከምዝተኣገዱ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ዕዳጋ ዝተወሰደ ናሙና ብዝተገበረ 3ይ ወገን ፍተሻ ላቦራቶሪ ውፅኢት መለክዒ ፅሬት እቶም ፍርያታት ዘይተማለአን ስምን ኣድራሽን ኣፍራዪ ዘይብሎምን ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ስለዝኾነ ድማ እቶም ፍርያታት ዝድለ መለክዒ ፅሬት ዘየማልኡ ስለዝኾኑ ሕብረተሰብ እዞም ፍርያታት ከይጥቀም ካብ ዕዳጋ ከምዝተኣገዱ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment