ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ በጀት ዓመት 2015 ትሕቲ ደረጃ ኮይኖም ዝተረኸቡ ልዕሊ 1 ሺሕን 932 ሜትሪክ ቶን ኣተውቲ ኣቑሑት ናብ ሃገር ከየኣትዉ ከምዝተኣገዱ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።
እቲ ሚኒስቴር÷ ኣብቲ በጀት ዓመት ኣገዳ ደረጃ ኢትዮጵያ ዝወፅአሎም ኣተውቲ ኣቑሑት ኬሚካል፣ ምግቢን ኤሌክትሮኒክስን ስራሕቲ ላቦራቶሪ ፍተሻን ኢንስፔክሽንን ከምዝተሰርሐ ገሊፁ፡፡
ብመሰረት እዚ 1 ሺሕን 932 ሜትሪክ ቶን ኣተውቲ ኣቑሑት ትሕቲ ደረጃ ከምዝኾኑ ብምርግጋፁ÷ ናብ ሃገር ውሽጢ ከየኣትዉ ብምግባር ዓዳጊ ሕብረተሰብ ፅሬቱን ድሕንነቱን ካብ ዘይተሓለወ ፍርያት ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኣመልኪቱ።
ኣብ ቀፃሊ እውን ተመሳሳሊ ስራሕቲ ቁፅፅር ተጠናኺም ከምዝቕፅሉ ምሕባሩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com