ትልሚ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ንምዕዋት ማእኸላት ዳታ ንምጥንኻር ይስራሕ ኣሎ – በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ትገብሮ ትልሚ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ንምዕዋት ማእኸላት ዳታ ንምጥንኻር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን  በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ማእኸላት ዳታ ብምጥንኻር ኣብ ዕቤት ፋይናንስ ሴክተርን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ንምውዓል ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ኣብቲ መድረኽ÷ ዲጂታል ኢትዮጵያ ንስግግር ኢኮኖሚ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ማእኸላት ዳታ ናብ ስራ ከምዘእተወ ተዛሪቦም፡፡

ንኣብነት ድማ ዊንጉ ኣፍሪካ ዝተብሃለ ዘፈር ውልቀ ብምስፍ ኣብ ይሲቲ ፓርክ ኢንቨስት ከምዝገበረ ፀሪሖም፡፡

በዚ መዳይ ዘፈር ውልቀ ብምስታፍ ዝተጠናከረን ድሕንነቱ ዝተሓለወን ልምዓት ማእኸል ዳታ ትኹረት ከምዝተውሃቦ ኣብሪሆም።

ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ኣብቲ ዓውዲ ስራሕ ዝጀመረ ዊንጉ ኣፍሪካ ዳይሬክተር ኢትዮጵያ ተሾመ ወርቁ÷ ምንቅስቓስ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምሕጋዝን እታ ሃገር ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መሪሕነት ዲጂታል ምትእስሳር ምጥንኻር እናተሰርሑ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብሳሙኤል ወርቃየሁን ዘረኣያእቆብ ያእቆብን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment