ትልሚ ካብ ተሓጋዛይነት ናይ ምውፃእ ትልሚ ኢትዮጵያ ንምዕዋት መርሃ ግብሪ ሴፍትኔት ምጥንኻር ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትልሚ ካብ ተሓጋዛይነት ናይ ምውፃእ ትልሚ ኢትዮጵያ ንምዕዋት መርሃ ግብሪ ሴፍትኔት ምጥንኻር ከምዝግባእ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ገፀር ንማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ዝተቓልዑ ክፋላት ማሕበረሰብ ተረባሕቲ ንምግባር ኣብ 1997 ዓ.ም ዝተጀመረ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ልዕሊ 8 ሚሊየን ዜጋታት ተረባሕቲ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ፥ ካብ ተሓጋዛይነት ኣተሓሳስባ ምውፃእ እንትበሃል ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ጉድኣት ዝበፅሖም ዜጋታት ምሕጋዝ ደው ክብል ኢዩ ማለት ኣይኮነን።

ፖሊሲ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ እንትፀድቕ ሰብኣዊ ድጋፍ ጠጠው ምባል ዘይኮነስ ንዝግበኦም ክፋላት ሕብረተሰብ ግቡእ ሓገዝ ንኽበፅሕ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ከም ሃገር ሰብኣዊ ሓገዝ ምኽንያት ብምግባር ቀዋሚ ተሓጋዚ ናይ ምዃን ልምዲ 50 ዓመታት ተሳጊሩ ኢዩ ዝበሉ እቶም÷ ካብ ተሓጋዛይነት ኣተሓሳስባ ንምውፃእ ፀጋታት ምልማዕን መርሃ ግብሪ ሴፍቲኔትን ምጥንኻርን ከምዝግባእ ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment