ትልሚታትን ኣንፈታትን ልምዓት ንክዕወቱ ኣመራርሓ ቁርፀኛ ብምዃን ክሰርሕ ይግባእ-ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመንግስቲ ዝተቐረፁ ኢንሸየቲቫት፣ ትልሚታትን ኣንፈታትን ልምዓት ንክዕወቱ ኣመራርሓ ቁርፀኛ ብምዃን ክሰርሕ ከምዝግባእ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

ንሰለስተ መዓልታት ዝፀንሕ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማ|ይ ርባዕ ዓመት መንግስቲን ክልልን እቲ ክልል ኣብ ከተማ ኣዳማ ይካየድ ኣሎ።

ኣይተ ሽመልስ፥ እቲ ክልል ብኹሎም ዓውዲታት ዝሓዞም ትልሚታት ውፅኢታዊ ንክኾኑ ኣመራርሓ ቁርፀኛ ብምዃን ክሰርሕ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ብመሰረት እዚ እቲ ኣመራርሓ ድኽነት ኣብ ምቕራፍን ናብራ ዜጋታት ኣብ ምምሕያሽን ጠመተ ብምግባር ምስራሕ ኣለዎ ኢሎም።

ብወንድሙ ኣዱኛ

Comments (0)
Add Comment