ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምርምራት ሳይንስ ቴክኖሎጂን ንምዕባይ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝዳለዉ ዓለም ለኸ ጉባኤታት ትካላት ምርምር ረብሐኦም ዕዙዝ ከምዝኾነ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኣብረሃም በላይ ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር እዚ ዝበሉ፥ ብኣሰናዳእነት ዩኒቨርሲቲ እናተኻየደ ዝርከብ 9ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ዝተመሓየሸ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣብ ዝተረኸቡሉ እዋን እዩ።
ዘፈር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ንምዕባይ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እናገበረኦ ዝርከባ ፃዕሪ ብምርምርን መፅናዕቲን ተሓጊዙ እናተኻየደ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ዓለም ለኸ ጉባኤታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ምክያዱ፥ ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ንምርካብ ወሳኒ ኣማራፂ ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም፡፡
ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ዶክተር ፍሬው ተገኝ ብግደኦም፥ ትካሎም መሪሕ ትካል ምርምር ንምግባር እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ጉባኤ፥ 100 ስራሕቲ ምርምር ብሙሁራን ክቐርቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብምናለ ኣየነው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።