ቴክኖሎጂታት ለሙን ዝተኣከቡ ሓበሬታታት ሳትላይትን ኣብ ትግባር ክውዕሉ ከምዝግባእ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቴክኖሎጂታት ለሙን ዝተኣከቡ ሓበሬታታት ሳትላይትን ኣብ ትግባር ክውዕሉ ከምዝግባእ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ምውፋር ስራሕ ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ቴክኖሎጂን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ኢንስቲትዩት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ስፔስ ሳይንስ ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂታትን ሓበሬታታትን ለሙ ናብ ተግባር ንኽልወጡ ግንዛበ ናይ ምፍላጥ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፥ ኣብዚ ሰሙን ማእኸል ምርምር ኦቭዘርቫቶሪ እንጦጦ ዑደት ገይሩ።

ምክትል ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዶክተር ከይረዲን ተዘራ፥ ኣብ ውሽጢ እቲ ኢንስቲትዩት ዝሳለጡ ተግባራት ምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝርከቡሉ ብርኪን እቲ ማእኸል እዋኑ ዝበፅሖ ሳትላይታት ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ከምኡ እውን ንዝተፈላለዩ ተግባራት ዝውዕሉ ሓበሬታታት ብምእካብ ኣብ ረብሓ ንኽውዕሉ እናገበረ ዝርከብ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment