ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቴክኒካል ኮሚቴ ትራንስፖርትን ኢነርጂን ሕብረት ኣፍሪካ ትራንስፖርትን ኢነርጂን እዛ ኣህጉር ንምምሕያሽ ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ረቀቕ ስትራቴጂታት ኣፅዲቑ።
እቲ ኮሚቴ መበል ሳልሳይ ኣኼባ ሚኒስትራት ብኢንተርኔት ኣካይዱ።
ኣካቢ እቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር)፥ናይ ቀፃሊ ስትራቴጂ ዓውዲ ትራንስፖርትን ኢነርጂን ብምቕራፅ ኩለን ሃገራት ኣፍሪካ ተረባሕቲ ዝገብር ሓበራዊ ሓላፍነት ኣለና ኢሎም።
ዓውዲ ትራንስፖርትን ሓይሊን ንምዕባለ ኢኮኖሚ፣ ምስላጥ ንግዲን ምዕባለ ኢንዱስትሪን ወሳንቲ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ምውዳድን ምትሕብባርን ብምጉልባት፣ መትከል ሓድነት ብምስዓብን ሕውነትና ብምጥንኻረን ዝማዕበለት ኣፍሪካ ዕላዊ መግባር ይግባእ እውን ኢሎም።