ቴሌቪዥን ኢሳት ናይ መወዳእታ ወረቐት መጠንቀቒ ተዋሂቡዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንቴሌቪዥን ኢሳት ናይ መወዳእታ ወረቐት መጠንቀቒ ሂቡዎ።

እቲ በዓል መዚ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ እቲ ጣቢያ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ሚዛናውነት ዝጎደሎም፣ ኣብ ጭቡጥ ሓበሬታ ዘይተደረኹ/ዘይተረጋገፁ፣ ሓድነትን ምትእምማንን ህዝብታት ክሽርሽሩ ዝኽእሉ ፀብፃባት የቕርብ ኣሎ ኢሉ።

ስለዝኾነ እቲ ትካል ኣዋጅ መራኸቢ ሓፋሽ 1238/2013 ነገር ፅልኣትን ስኑዕ ሓበሬታን ንምክልኻል ዝወፅአ ኣዋጅ 1185/2012ን ስነ ምግባር ጋዜጠኝነትን ይጥሕስ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘላ ከተማ ሸገር፣ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣትዉ ዜጋታት ኣመልኪተን ገይረንኡ ዝበሎ መደረ እንተተራእዩ ብመረዳእታ ዘይተደገፈን ሚዛናዊነት ዝጎደሎን ፀብፃብ ከምዝተሓላለፈ ብኣብነት ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ 1238/2013 ዓንቀፅ 68/1(ሀ) ን (ለ) ፕሮግራማት ወይ ዜናታት ኣመልኪቱ ዝተደንገገ ሕጊ ኣየኽበረን ኢሉ።

ኢሳት ቴሌቪዥን ሚዛናዊነት ዝጎደሎም ስኑዓት ሓበሬታታት ብምውዛዕ ኣብ ሓድነት ህዝብታት ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ሓበሬታታት ካብ ምትሕልላፍ ንክቑጠብ ናይ መወዳእታ ወረቐት መጠንቀቒ ከምዝተውሃቦ እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment