ታሪኽ ዓወት ዓድዋ ንህብረ-ብሄራዊ ሓድነትን ምትእስሳርን ክንጥቀመሉ ይግባእ – ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2025፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ታሪኽ ዓወት ዓድዋ ንህንፀት ኩርዓት ሃገር፣ ህብረ-ብሄራዊ ሓድነትን ምትእስሳርን ክንጥቀመሉ ይግባእ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ገሊፆም።

መበል 127 ዓመት በዓል ዓድዋ ኣብ ኣደባባይ መስቀል እናተኸበረ እንትኸውን፥ ኣብቲ ስነ-ነስርዓት ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ሓይሊታት ጦር ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ምክትል ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ጄኔራል ኣበባው ታደሰ፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም፡፡

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ኣብቲ ስነ-ስርዓት÷ “ዓድዋ ታሪኻዊ ኻድጊን ሰናይ ክብሪ ህዝቢን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

በዓል ዓወት ዓድዋ ናይ መላእ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ናይ ሕዚ ወለዶ ታሪኽ ሰማዒ ጥራሕ ዘይኮነስ ታሪኽ ሰራሒ ንኽኸውን ፀዊዖም፡፡

“ዓድዋ ታሪካዊ ሓድጊን ክብሪ ህዝቢን ስለዝኾነ፤ ምሕላው፣ ምጉላህን ምክንኻንን ይግበአና” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ዓድዋ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኩርዓት ኣፍሪካን ምልክት ሓድነትን ኮይኑ እናገልገለ ዝርከብ ከምኡ እውን ንናፅነት ካልኦት ኣፍሪካውያን በሪ ዝኸፈተ ዘንፀባርቕ ዓወት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብምዃኑ ታሪኽ ዓወት ዓድዋ፥ ንህንፀት ኩርዓት ሃገር፣ ህብረ-ብሄራዊ ሓድነትን ምትእስሳርን ኣብ ምጥቃም ናይ ሕዚ ወለዶ ሓላፍነት ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

#Ethiopia #Adwa #Victory

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment