ታሪካዊ ምዕራፍ ኣብ ዝገዕልፅ ሃገራዊ ዘተ ብኮሚሽነርነት ሓላፍነት ምፅዋር ፍሉይ ክብሪ ኢዩ -ኣከብቲ እቲ ኮሚሽን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ታሪካዊ ምዕራፍ ኣብ ዝገዕልፅ ሃገራዊ ዘተ ብኮሚሽነርነት ሓላፍነት ምፅዋር ፍሉይ ክብሪ ኢዩ ክብሉ ኣከብቲ እቲ ኮሚሽን ተዛሪቦም።

ኣካቢ እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን አረዓያን ምክትል ኣካቢት ሂሩት ገብረስላሴን ብጥቆማ ህዝቢ ንህዝቢ ንምስራሕ ምምራፅ ዕድል ከምዝኾነ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም።

ሃገራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋፅ ዝተውሃቦም ሓላፊነት ንምውፃእ ቆራፃት ኢና ዝበሉ ዋና ኣካቢ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርአያ፥ ኣጀንዳታት ፍልልይ ንመወዳእታ ጊዘ ንምትዕራቕ ወሳኒ ዘተ ክግበር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዓለም ለኸ ትካላት ዘገልገላ ምክትል ኣካቢት ወይዘሮ ሂሩት ገብረስላሴ ብግደአን፥ ንኹ ኣሳታፊ ኣብ ዝኾነ ልዝብ ንዓመታት ዝዘለቑ ፖለቲካዊ ፀገማትን ፈተናታትን ብምርድዳእ ንኽፍትሑ ንምስራሕ ድልውቲ ከምዝኾና ገሊፀን።

ካብ ምጥቋ ጀሚሩ ንቑሕ ተሳትፎ ዝገበረ ህዝቢ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ተግባራት እቲ ኮሚሽን ግድኡ ንኸጠናኽ ሓቲተን።

ብፍላይ ሙሁራን ንሃገር ዝረብሑ ሓሳባት ናብ ቴብል ብምምፃእ ካብ ኣፈላላይ ንላዕሊ ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ንኽሳተፉ መልእኸተን ኣመሓላሊፈን።

ብሃይለየሱስ መኮንን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment